ካብ ምልባማ ናብ ምህፍታማ

301
2171

ትግራይ ዓደይ ለምለም፡ ትግራይ ዓደይ ቀለም
ከመይ ባ ኣለኺ ከመይ ከ ትኾኒ
ፊደል ዶ ክነድቕ ሆሄ ቃል ክዃኒ
ከምዚ ዝብል ከምዚ
ጭርሖ ዶ ሕሸኪ ድሙቕን ጽቡቕን
ወይ ሓሳብ ሕሸኪ፡ ጥሉቕን ዕሙቕን
እንታይ ኢኺ ትመርጺ፡ ካብዙይን ቦቱይን
ከመይ’ኺ ትደልዪ፡ ካብዙይን ካብኡን
ኣስቂጥኪ… ኣስቂጢቅኪ.. ኣስቂጥኪ….
መልሲ ግዳ ሃቢ
ግበሩሉ ቀልቢ
ካብ ትግራይ ምልባማ
ካብ ትግራይ ምጽማማ
ክንደይ እዩ ራሕቑ፡ ናብ ትግራይ ምህፍታማ… ብናትኪ ስልሒ

ትግራይ ዓደይ ሽሻይ ትግራይ ሰፋሕ ቃላይ
ከመይ ባ ኣለኺ ከመይ ከ ትኾኒ
ፊደል ዶ ክነድቕ ሆሄ ቃል ክዃኒ
ከምዚ ዝብል ከምዚ
ግንቦት ሰነ ድዩ፡ እዋን ሕረስ ሕረስ
ወይስ ቀውዐ ሕዳር፡ እዋን ሕፈስ ሕፈስ
መን እዩ ግዳድኪ፡ ኣየናይ ትኹረትኪ
እትግደስሉ፡ ትህብሉ ዉሉድኪ
መልሲ ሃቢ መን እዩ?
ኣስቂጥኪ…ኣስቂጥኪ …..ኣስቂጥኪ….
በሊ ግዳ በሊ
ንኸይትታለሊ
ካብ ትግራይ ምልባማ
ካብ ትግራይ ምጽማማ
ክንደይ እዩ ራሕቑ፡ ናብ ትግራይ ምህፍታማ… ንስኺ ታይ ትብሊ።

ትግራይ ዓደይ ነዋሕ ትግራይ ዓደይ ሰፋሕ
ከመይ ባ ኣለኺ ከመይ ከ ትኾኒ
ፊደል ዶ ክነድቕ ሆሄ ቃል ክዃኒ
ከምዚ ዝብል ከምዚ
ኰርማይኺ ይኰርመ ገማይኺ ይገመ
ጠላሚኺ ይጠለም በላዕ ነብሲ ይሰመ
ረጋጺኺ ይረገጽ ውርደት ዝዓመመ
መንአሲኺ ይቆንጠር ጥልመት ዝጠምጠመ
መልሲ ሃቢ መን እዩ?
ኣስቂጥኪ….. ኣስቂጥኪ…. ኣስቂጥኪ
ንሱ እሞ ግደፍዮ
ዘድልየኪ እትገብርዮ
ካብ ትግራይ ምልባማ
ካብ ትግራይ ምጽማማ
ክንደይ እዩ ራሕቑ፡ ናብ ትግራይ ምህፍታማ… ንስኺ ብእትብልዮ።
ትግራይ ቀያሕ ደመይ፡ ደመይ ዓባይ ትግራይ
ፊደል ክነድቀልኪ፡ ሆሄ ክዃንየልኪ፡ በልኒ እሞ ሕራይ
በቲ ፊደል ንሱ ብድልድል ናይ ቃላት
ኣሕልፍዮ ህዝበይ፡ መገዲ ዘጽኣት
ጥራሕ ሓንቲ ሕቶ፡ ጥራሕ መልሲ
ኣነ ዝብለክሲ
ካብ ትግራይ ምልባማ
ካብ ትግራይ ምጽማማ
ክንደይ እዩ ራሕቑ፡ ናብ ትግራይ ምህፍታማ… መልሲ መልሲ።

301 COMMENTS

  1. This design is steller! You certainly know how
    to keep a reader amused. Between your wit and your videos, I
    was almost moved to start my own blog (well, almost…HaHa!) Wonderful
    job. I really enjoyed what you had to say, and more than that, how you presented it.

    Too cool!

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here