12.2 C
Mek'ele
Monday, November 23, 2020
Home ትግርኛ ሕሉፍ ምዕቃብ፤ ንምቕሳን፡፡ LAYING THE PAST TO REST

ሕሉፍ ምዕቃብ፤ ንምቕሳን፡፡ LAYING THE PAST TO REST

ኢህወዴግን ኣብ ምስረታ ሃገረ መንግስት ኢትዮጵያ ዝገጠሞ ፈተናታትን

ደራሲ፡– ሙሉጌታ ገ/ህይወት በርሀ (ፒኤችዲ)

ጭብጢ፡- ኣብ ታሪኽ ካልአይ ወያነ ዝተመስረተ

ገፅ፡- 355

ቋንቋ፡- ብእንግሊዝኛ

ልባስ፡- ብጠንካራ ሽፋን ዝተደጐሰ

ዕለት ሕትመት፡- 2012 ዓ.ም. (2020)

ምጡን ርእይቶ፡- ብብርሃኑ ኣባዲ


ሀ. ሓፈሻዊ፡-

እዚ ብዶ/ር ሙሉጌታ ገ/ህይወት በርሀ ኣብ ሓዱሽ ዓመት አውሮፓውያን ብኣና ድማ ኣብ ቕነ ልደትን ጥምቀትን ከምኡውን ለካቲትን ዝቐረበልና ምሩፅ ገፀ በረከት፣ እቲ ዝዓበየን ክባርን ህያብ ኮይኑ ይስመዐኒ፡፡ ሕሉፍ ምዕቃብ፤ ንምቕሳን (LAYING THE PAST TO REST) ብዝብል ርእሲ ዝተዳለው እዚ መፅሐፍ ተጋዳላይ ሙሉጌታ ገ/ህይወት ብናይ ገድሊ ስሙ፣ (ጫልቱ) ንፒኤች ዲ ናይ መመረቒ መፅናዕታዊ ፅሑፍ ምስኣቕረበ ኣብኡ ተመስሪቱን ኣማዕቢሉን ብመልክዕ መፅሓፍ ኣሰናዲኡ ዘሐተሞ ቅርሲ እዩ፡፡

እዚ መፅሓፍ በኣርባዕተ ዓበይቲ ክፋላት ዝተወደበ ኮይኑ ኣብ ትሕቲ እቶም ክፋላት 12 ርእሰጉዳያት ተዳህሲሶም ኣለዉ፡፡ ቀዳማይ ክፋል ካብ 1967-1977 ዓ.ም. ንዝነበረ ምስረታን ፈተናታትን ተሓህት ይትርኽ፡፡ እግሪ ንምትካል ዝተኻየደ ናይ ሞት ሕየት ቃልሲ፣ ምስረታ ሓራ መሬትን ምስ ተፃባእቲ ውድባት ዝተገበረ ጐንፂን ይገልፅ፡፡ ህልውንኡ ንምርግጋፅን ናብ ብራኸ ንምድያብን ህዝቢ ትግራይ ዘካየዶ ተጋድሎን ዝገጠሞ ብድሆን ይትንትን፡፡ ካልኣይ ክፋል እቲ መፅሓፍ እቲ ቃልሲ ንዝኣተወሉ ሓዱሽ መድረኽ እዩ ዝድህስስ፡፡ ምስረታ ማርክስሌኒናዊ ትግራይ (ማሌሊት)፣ ምሕንፃፅ ሓደሽቲ ስትራቴጂታት፣ ብወፅኢቱ ድማ መላእ ትግራይ ካብ ቁፅፅር ስርዓተ ደርግ ናፃ ንዝወፀሉ ከይዲን ዓወትን ይትርኽ፡፡ ምስዚ ኣታኣሳሲሩ ምስረታ ኢህወዴግን መንግስትነት ንምጭባጥ ዝተኻየደ ቅድመ ምድላውን ንስርዓት ደርግ ንምቅባፅ ዝተኻየዱ ስትራቴጂካዊ መጥቃዕቲታትን የብርህ፡፡

ሳልሳይ ክፋል እቲ መፅሓፍ ካብ 1983-2004 ዓ.ም. ማለትውን ኢህወዴግ መንግስትነት ካብ ዝጨበጠሉ ክሳብ ኣቦመንበር ኢህወዴግ ተጋዳላይ መለስ ዜናዊ ዝስወአሉ ንዝነበረ ከይዲ ተንቲኑ ኣቕሪቡ ኣሎ፡፡ ኣብዚ ክፋል ካብ ኩናት ናብ ሰላም ዝተገብረ ስግግር፣ ዴሞክራሲያዊ ስግግር ንምግባር ዝተገብረ ፈተነን እዚ ንርእሱ ኣብ ባህርይ ውዳበ ኢህወዴግ ዘሕደሮ ፅልዋን ተገሊፁ፡፡ ምስዚ ተዛሚዱ ኩናት ኢትዮ-ኤርትራን ሰዒቡ ዝመፀ ምክፍፋል መሪሕነት ህወሓት/ኢህወዴግ ከምኡውን ምንቅስቓስ ተሃድሶ፣ ምስረታ ሃገረ መንግስቲን ሃገርና ዝበፅሓትሉ ቀራና መንገዲን (መስቀላዊ መንገዲን) ተተንቲኑ፡፡ ኣብ መወዳእታ ኣብ ራብዓይ ክፋል ክትዕ፣ ትንተናን መደምደምታን ቀሪቡ ኣሎ፡፡

      ሙሉጌታ መዘከርታነት መፅሓፉ ብፍሉይ ንስዉኣት ተጋደልቲ ዩኩኖ አምላክ ገ/ሚካኤልን፣ ንክንፈ ገ/መድህንን እዩ ኣወፍዩ፡፡ ብሓፈሻ ድማ ንኩሎም ኣብ ግዜ ዕጥቃዊ ቃልሲ ቅድሚኡ፣ ኣብ ከይዲን ድሕሪ እቲ ዕጥቃዊ ቃልሲን ንዝትሰውኡ ኩሎም ተጋደልቲ፣ ኣባላትን ደገፍቲን ነቲ መፅሐፍ ኣወፍዩ ኣሎ፡፡ ካብኡ ሓሊፉ ድማ ካብቲ ኩናት ብህይወት ንዝተረፉን ሕዚ ቀወምቲ ምስክራት እቲ ተጋድሎ ኮይኖም ንዝለውን ኩሎም ኣባላትን ደገፍትን እቲ ወያነ በዚ መጽሐፍ ክዝከሩ ገይሩ ኣሎ፡፡

              እዚ ገይሩ ግን ብፍሉይ ምስ ይኩኖ አምላክ  ገ/ሚካአልን ክንፈ ገ/መድህንን ንዝተኣሳሰሮ ኩነት ብዕምቈት ገሊፅዎ፡፡ ንይኩኖ አምላክን ክንፈን ኣብ ዝሳኣነሉ እዋን ልክዕ ከምቲ ንስሪ ኣሞራ ክንፉ እንትስበር ዝስምዖ ብርቱዕ ቃንዛ ከምትሰምዖ ነጊሩና፡፡ እቲ ፍሉይ ዝገብሮ ግን ንስሪ ኣሞራ ዝተሰበረ ክንፉ ምስ ፀገነን ምስሓወየን ቓንዝኡ ክርስዖ ዝኽእል እንትኸውን ሙሉጌታ ግን ብምኽንያት መስዋእቲ ክልቲኦም ኣዕርኽቱ፣ ብፆቱ፣ ኣሕዋቱ ዝተሰመዖ ቓንዛ ሕዚውን ሓቢሩዎ ዝነብር ዘሎ ምኻኑ እዩ፡፡ ናይ ዕድመ ልክዕ ቓንዛ፡፡ ድሕሪ መስዋእቲ እዞም ክልተ ፍቱዋት ኣዕርኽቱን ብፆቱን ንብዙሕ ኣዋርሕ ከየቋረፀ ከምዝነብዐውን ገሊፁ፡፡

       ነዚ ኣገላልፃ ካብቲ መፅሓፍ ዘንበበትን ንሙሉጌታ ብቐረባ ትፈልጦን ሞሞና ጓለይ ‹‹ሙሉጌታ ጫልቱ ወታደር እንድዩ፣ ተጋዳላይ እንድዩ፣ ንኣዋርሕ ዝነብዕ ልቢ ካበይ ኣምፂኡ? ኣነ ወታደር ዝመስለኒ ልቡ ዝደንደነ፣ ሓዘን ዘይስቁሮ ንሞት ከምተራ ነገር ዝርእይ እዩ ነይሩ፡፡ ናይ ሙሉጌታ ግን ተፈልዩኒ፤ ንኣዋርሕ ንብዓት? So Human ከመይ ዝበለ ዓሚቈ ሰብአዊ’ዩ ኢላትኒ፡፡ ኣነውን ከምኡ እዩ ተሰሚዑኒ፡፡ ግን ድማ ምርጫ ስኢኑ እዩ እምበር ተቓላሳይ እኮ ብሰንኪ ኩናት ሞት ክህሉ መኣዝ ዝምርፅ ኮይኑ፡፡ ኣብ ልዕሊ እዚ ድማ ጅግና እኮ ቦቕቧቕ እዩ፣ ርህሩህ እዩ፡፡ ነቲ ዝርእዩ ዘሎ ሞት ጥራሕ እንተይኮነስ ብድሕሪ እቲ ሞት ንዘሎ መበገሲ ዝርዳእ፣ብሰንኪ እቲ ሞት ንዝመፅእ ሳዕቤን ዝእመት እውን እኮ እዩ፡፡

ኣብዚ መፅሐፍ ብሓደ ወይ ብካሊእ መንገዲ ሓገዝ ንዝገበሩ ኣፍልጦ ወይ ምስጋና ተዋሂብዎም እዩ፡፡ ሙሉጌታ ጫልቱ ንኣደውኡ ዘመስገነሉ መንገዲ ልቢ ዝትንክፍ እዩ፡፡ ‹‹ኣደዋይ ብኣካደሚካዊ ትምህርቲ ዕዉት ኮይነ ክትርእየኒ ሃንቀውታ ነይሩዋ፡፡ ንሳ ሃፍቲ ኮነ ትምህርቲ ኣይነበራን፤ ኮይኑ ግን ንሕና ደቃ ክቡራት ዜጋታት እንኸውን ብትምህርቲ ጥራሕ ከምዝኾነ ትኣምን ነይራ፡፡ ከም ሓንቲ ኣብ ኢትዮጵያ ንበይና ደቃ ተዕቢ ኣደ ዘጋጥማ ፈተነታት ተፃዊራ ኩሉ ዘለዋ ፀንቂቓ ኣብ ትምህርቲ ደቃ ኣውዒላቶ፡፡ ብህይወት ፀኒሓ ንፍረ ፃዕራ ክትርእይ ኣይተዓይለትን፤ ኮይኑ ግና ድኻማ ከንቶ ኣይተረፈን፣ ፍረ ኣፍርዮ ኣሎ፡፡ ካብቶም ሓሙሽተ ደቃ ክልቴና ብፒኤች ዲ ተመሪቕና፣ ዶካትር ኮይንና፣ እቶም ሰለስተ ድማ ንናብርኦም ዝኸውን እኹል ትምህርቲ ተማሂሮም፡፡ ኣደዋይ! ቅብእቲን ፍልይቲን ኣዶ ስለዝኾንክልና ተመስገኒ፤ ቅሱን ዕረፍቲ ድማ ይግበረልኪ፡፡›› ብምባል የመስግን፡፡ እዚ አገላልፃ ዋጋ ኣዶ ኣፀቢቕና ንንግንዘብ ብፍላይ ድማ ኣብ ቃልሲ ሕዝቢ ትግራይ ንዝከፈሎኦ መስዋእቲ ንንፈልጥ ሰባት ኣዐሪዩ ዘስቆንቁን እዩ፡፡ ንበዓልቲ ቤቱን ናይ ቃልሲ ብፂቱን ከምኡውን ንደቁ ዝሃቦ ኣፍልጦውን ኣብነታዊ እዩ፡፡

ለ. ፅሟቕ ትሕዝቶ

እቲ ኣብ ኣርባዓ ገፃት ተፆሚቑ መእቲዊ ብዝብል ርእሲ ተፃሒፉ ዘሎ ትሕዝቶ፣ ሙሉጌታ ነዚ ዓብዩ መፅሓፍ ንምብርካት ንዝገበሮ ብርቱዕ ፃዕሪ ከም መስትያት የመልክት፡፡ ዕላማ እቲ መፅሐፍ እንታይ ከምዝኾነ፣ ነዚ ንምፅሓፍ ዝተወከሶም መፅሓፍቲን ናይ ምርምር ፅሑፋትን፣ ኣብ አፍሪካ ኣብ ዝተኻየዱ ናይ ዕጥቂ ቃልሲታት ዘለዉ ኣታሓሳስባታትን ገምጋማትን ኣቐሚጡ ኣሎ፡፡ ብዘይካ እዚ ንዕጥቃዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ መበገሲ ዝኾነ ናይ ሃገርና ታሪኻዊ ሓቂ ብፍላይ ድሕሪ ዘበን መሳፍንቲ ንምስረታ ሃገረ መንግስቲ ዝተካየዱ ፃዕሪታትን ንብሄራዊ ጭቆናን ዕብላላን ጠንቂ ዝኾኑ ወድዓዊ ምኽንያታትን ገሊፁ፡፡

ብፍላይ ድማ ምእንታን ከም መነፃፀሪ ክጠቅም ኣብ አፍሪካ ዝተኻየዱ ፀረ ባዕዳዊ መግዛእቲ ተጋድሎታት፣ ድሕሪ ምዝዛም ዝሑል ኩናት ዝተኻየዱን ኣበጋዛት ኩናት ዝመርሕዎምን ዕጥቃዊ ቃልሲታት፣ ከምኡውን ቅድሚ ዝሑል ኩናት ተጀሚሮም ምስ ምዝዛም እቲ ኩናት ዝተኸምበቱ ንለውጢ ዝተኻየዱ ዕጥቃዊ ቃልሲታት ምስ ፍሉይ ባህሪያቶም ተጠቒሶም እዩም፡፡ ቅድሚ ሕዚ ብዛዕባ ዕጥቃዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ዝተፅሓፉ መፅሓፍቲ ምስዞም ኣብ ኣፍሪካ ዝተኻየዱ ካልኦት ዕጥቃዊ ቃልሲታት እናዛመዱን እናነፃፀሩን ስለዘይተፅሓፉ እዚ ናይ ሙሉጌታ ኣቀራርባ ዝበለፀን ዘይተርኣየ ካሊእ መዳይ መርአይ መስኮት ዘቋመተን ከምዝኾነ ምግንዛብ ይካኣል፡፡

ጫልቱ ኣብ መፅሓፉ ካብ ዘልዐሎም ፈለምቲን ኣገደስቲን ዛዕባታት እቲ ሓደ ፕሮግራም ተሓህት ኣመልኪቱ ዘልዐሎ ነጥቢ እዩ፡፡ ለካቲት 1968 ዓ.ም. ኣብ ዴማ ኣብዝተኻየደ መስራቲ ኣኼባ (ደመር) ኣብ ዕላማታት ተሓህት ሓበራዊ ምርድዳእ ተገይሩ፡፡ ነዚ ምርድዳእ መሰረት ብምግባር ፕሮግራም ዝሕንፅፁ ተጋደልቲ ተመዲቦም፡፡ ንሳቶም ዝሓንፀፅዎ ፕሮግራም ኣብ ሱዳን ካርቱም ተሓቲሙ ናብ ሜዳ ተሰዲዱ፡፡ ኮይኑ ግና ኣብቲ ዝተሓተመ ፕሮግራም ናፃ ሪፓብሊክ ትግራይ ናይ ምምስራት ዕላማ ሓደ ዕላማ ተሓህት ኮይኑ ተቐሪፁ፡፡ ነዚ ዝራኣዩ ኣባላት ማእኻላይ ኮሚቴ ተሓህት ብሓደ ድምፂ ብዘይ ኣፈላለይ ነፂጐምዎ ጥራሕ እንተይኮነስ ፀቢብ ብሔራዊ ስምዒት ከምዝኾነ ደምዲሞም፡፡ ስለዝኾነ ድማ ክእረም ብምሉእ ድምፂ ወሲኖም፡፡ ኣብዚ ነጥቢ ኣመልኪቶም ቅድሚ ሕዚ መፅሐፍ ዘሐተሙ መሪሕነት ተሓህት/ህወሓት ነበር ሪፐብሊክ ትግራይ ናይ ምምስራት ዕላማ ዝኣተወ ኮነ ተባሂሉ ብሽርሒ እዩ ክብሉ እዮም ገሊፆም፡፡ ዶ/ር ሙሉጌታ ገ/ህይወት ግና ዝተፈላለዩ ምንጪታት መበገሲ ገይሩን ደሓር ኩሎም ኣባላት ማእከላይ ኮሚቴ ብዘይ ኣፈላለይ ከምዝኣረምዎን ከምፀፅደቅዎን  መርትዖ ገይሩ ብውነ እንተይኮነስ ብጌጋ ዝኣተወ ከምዝኾነ ኣቐሚጡ፡፡

ኣብ ቀዳማይ ክፋል እቲ መፅሓፍ ካብ ዝተተረኹ ጉዳያት እቲ ክሳብ ሕዚ እውን ንፁር መዕለቢ ዘይረከበ ጉዳይ ሕንፍሽፍሽ ንቀልቢ ኣንበብቲ ኣዝዩ ዝስሕብ ርእሰ ጉዳይ ኮይኑ ይስመዐኒ፡፡ ኣብ ኣጀማምራን ባህርይን እቲ ኣብ 1969 ዓ.ም. ዝተፈፀመ ውሽጣዊ ፀገም ሙሉጌታ ፍልይ ዝበለን ቅድሚ ሕዚ ዘይተዳህሰሰን ነጥቢ ኣልዒሉ ኣሎ፡፡ ከም ትረካ እቲ መፅሐፍ ጠንቂ ሕንፍሽፍሽ እቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር 1969 ዓ.ም. ኣብ ወፍሪ ደቡብ ምብራቕ ትግራይ፣ ኣብ እንደርታ፡ ኣብ ወረዳ ድድባን ደርጋዓጅንን ኣብ ቁሸት ኣመንቲላ ዘጋጠመ ሓደጋ እዩ፡፡

10 ሕዳር 1969 ዓ.ም. ክልተ ሓይሊታት ተሓህት ብዴስኣ ገይረን ናብ ወረዳ ድድባን ደርጋዓጀንን ተበጊሰን፡፡ ክልቲአን ሓይሊታት ነናይ ባዕለን ኮማንደራት ዝመርሑዎን ኮይነን እናሃለዋ ናይታ ሓንቲ ሓይሊ ምክትል ኮማንደር ግና ንኽልቲኦን ሓይሊታት ከማእኽለን ብኣመራርሓ እቲ ውድብ ሓላፊነት ተዋሂብዎ፡፡ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ክልቲአን ሓይሊታት ናብ ኣመንቲላን ምላዛትን በፂሕን፡፡ ቁሸት ኣመንቲላ ነቶም ተጋደልቲ ሓዱሽ ቦታ ኣብ ርእሲ ምኻኑ ፍልይ ዝበለ ተጥሮኣዊ ኣቀማምጣ ዘለዎን ብኣኻውሕን ፀድፊታትን ዝተኸበበዩ፡፡ ምድሪ ምስ መሸየ ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ነጭ ለባሻት ሃንደበት ተኩሲ ከፈቱ፡፡ ኮማንደር እታ ሓንቲ ሓይሊ እቶም ተጋደልቲ ከንሳሕቡ ትእዛዝ ሃበ፡፡ ብመሰርዕ ምንስሓብ ዝጀመሩ ተጋደልቲ በቲ ዘይፈልጥዎ ጥሻ እንትጓዓዙ ናብ ህልም ዝበለ ገደልን ተቐባሊኦም ክኽሒን ምውዳቕ ቀፀሉ፡፡ ዓሰርተ ሓደ ተጋደልቲ ተመራሪሖም ናብቲ ኮክሒ ምስፀደፉ ድንገት ድምፂ ቃንዛ ዝሰምዐ እቲ መበል 12 ተጋዳላይ ነቲ መስርዕ ጠጠው ክብል ገይሩ፡፡ ብድሕሪኡ እቶም ካልኦት ተጋደልቲ ብጥዑይ መንገዲ ወሪዶም ምስኣርከቡ ሸውዓተ ተጋደልቲ ተሰዊኦም ኣርባዕተ ብፅኑዕ ቆሲሎም ረኸቡዎም፡፡ ነቶም ስውኣት ክቐብሩን ነቶም ውጉኣት ክሕክሙን ኣብ ዝሸባሸቡሉ እዋን ስሩዕ ወታደራት ደርግ ኣርኪቦም ተኩሲ ከፈቱ፡፡ እታ ሓይሊ ብኣስገዳድ ኩነታት ኣንሳሓበት፡፡ ኣስክሬን ተጋደልቲን እቶም ውጉኣትን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ደርግ ኣተዉ፡፡

ኣብ ኣመንቲላ ዝዋዓሉ ተጋደልቲ ክልቲአን ሓይሊታት ኣንሳሒቦም ናብ ገርሁ ስርናይ ምስበፅሑ ናይታ ሓደጋ ዘጋጠማ ሓይሊ ኣባላት ተኣኪቦም ገምጋም ኣካየዱ፡፡ እቶም ተጋደልቲ ነቲ ገምጋም ንዝመርሕ ዘነበረ ኣባል ማእከላይ ኮሚቴ ‹‹እተን ሓይሊታት ነናይ ባዕለን ብቁዓትን ምኩራትን ኮማንደራት እናሃለዉወን ንምንታይ ዝታሓተ ዓቕሚ ብዘለዎ ምኽትል ኮማንደር ክምእከላ ተገይረን? እዚ ብብቕዓት እንተይኮነስ ንኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ ብዘለዎ ምቅርራብ እዩ ተመዲቡ፡፡ ስለዚ እቲ ፀገም ብሰንኪ  እዚ እዩ ሰዒቡ፡፡›› ዝብል መጐት ኣቕሪቦም ወንጠርዎ፡፡ እቲ አባል ማእከላይ ኮሚቴ ግና ነቲ ብተጋደልቲ ዝቐረበ ሓሳብ ኣብ ልዕሊ ምንፃጉ በቶም ተጋደልቲ ተቀባልነት ዘይብሉ መደምደምታ ኣቀሚጡ፡፡ ሸዑ ንሸዑ ድማ ኣብቲ ኣኼባ ካብ ዝነበሩ እቶም ሸውዓተ ተጋደልቲ ካብቲ ቃልሲ ክሰናበቱ ዕላዊ ሕቶ ኣቕረቡ፡፡ እቲ ዝተውሃበ ምላሽ ግና ምስንባት አይነበረን፡፡ መቅተልቲን ማእሰርትን እምበር፤፤

ንኣዕናዊነት እቲ ሓደጋ ኣፀቢቑ ዝተረደአ መሪሕነት ተሓህት ኣብ ምዕራብ ትግራይ ኣብ ቡምበት ሓፈሻዊ ኣኼባ ተጋደልቲ ኣካየደ፡፡ ኣብቲ ኣኼባ እንኮላይ ካብቶም መስረቲ ውድብ ሓደ ዝኾነ ተጋዳላይ ሃይሉ መንገሻ ኣብቲ ውድብ ውልቀ መላኺነት ከምዝነገስ፣ ዴሞክራሲያዊ ኣሰራርሓን ባህሊን ተሸርሺሩ ውልቀ ወነናዊ ኣካይዳ ከምዝሰፈነ፣ ነዚ ሰዒቡ ድማ ከባቢያዊነት (ኣውራጃዊነት) ከምዝትስፋሕፋሐ ገለፀ፡፡ ነቲ ኣኼባ ዝመርሑ ዝነበሩ ኣባላት መሪሕነት ንሕድሕድ ዝቐረቡ ክሲታትን ሕቶታትን መልሲ ንምሃብ እኳ እንተፃዓሩ ብዙሕ ተጋዳላይ ግን ዕግበት ኣይረኸበን፡፡ ስለዚ ድማ እቲ ፀገም እናተስፋሕፍሐ ከደ፡፡

ነዚ ሓደጋ እዚ ንምምካትን ነቲ ፀገም ንምእላይን እቲ መሪሕነት ወታደራዊ ባይቶ ክጣየሽ ገበረ፡፡ ተልእኮ ወታደራዊ ባይቶ ኣብ ውሽጢ እቲ ገድሊ ተፈጢሩ ንዘሎ ፀገም ምምርማር፣ ቅሬታን መረረትን ተጋደልቲ ምስማዕን መፍትሒ ምቕማጥን ከምኡውን ናይ ጉባኤ ኣሰናዳዊት ኮሚቴ ምጥያሽን ነይሩ፡፡ እቲ ወታደራዊ ኮሚቴ ዝተፈላለዩ መድረኻት ብምድላው ንሕቶታት ተጋደልቲ ንምምርማር ፃዕሪ ኣብ ዝገብረሉ እዋን ኣብ ኩሎም መድረኻት ካብ መሪሕነት እቲ-ውድብ ዝተወከሉ ክሳተፉ ይግበር ነይሩ፡፡ እቶም መድረኻት ድማ ኣብ ክንዲ ንመሰረታዊ ፀገማት ተጋደልቲ ሰሚዖም መፍትሒ ንምዳይ ዝፅዕሩ መሪሕነት እቲ ውድብ ኣብ ኣዝዮም ፈተንቲ ኩነታት ከመይ ብብልሓትን ብብቕዓትን ነቲ ቃልሲ ከምዝመርሕዎ፣ ብዝትርኹ ገለፃታት ክዕብለሉ ተገይሮም፡፡ ድሕሪ ምዝዛም እቶም መድረኻት ድማ ፈጠርቲን ኣታሓባበርቲን ሕንፍሽፍሽ ተባሂሎም ዝተጠቀኑ ተጋደልቲ ተፈልዮም ክእሰሩን ክቕተሉን ተገይሩ፡፡ ነዚ ስዒቡ መሪሕነት ተሓህት ተፈራሕቲን ተመላኽቲን ዝገብር ሃዋህው ተፈጢሩ፡፡

ተጋዳላይ ሙሉጌታ ዘልዐሎ ካሊእ አገዳሲ ነጥቢ ምስረታ ማሌሊትን (ማርክስ ሌኒናዊ ሊግ ትግራይ) ሰዒቡ ዝመፀ ዝላን እዩ፡፡ ቅድም ኢሎም መፅሓፍ ዘሐተሙ ነባራት መሪሕነት እቲ ውድብ ከይዲ ምስረታ ማሌሊት ሓደ ጉጅለ ነቲ ካሊእ ጉጅለ ንምውቃዕ ዝተጠቐመሉ መስርሕን ዘይዴሞክራሲያዊን ዝነበረ ኣብ ርእሲ ምኻኑ ኣብ ምዕዋት እቲ ቃልሲ እውን እዚ ዝበሃል ውፅኢት ዘይነበሮ ምኻኑ ይገልፁ፡፡ ብዘይካ እዚ ‹‹ማሌሊት›› ዝባሃል ውዳበ ከም ሓደ ጊናይ ብምስኣል ኣብ ከይዲ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ኣዝዩ ኣዕናዊ ግደ ዝተፃወተ ውዳበ ከምዝኾነ ይትርኹ፡፡ ሙሉጌታ ካብዚ ዝተፈለየ ሰእሊ እዩ ኣቕሪቡ፡፡ ተሓህት ኣብ ቀዳማይ ጉባኤኡ ኣብ ውሽጢ ውድብ ዴሳዊ ወያነ ናይ ምውላዕ ዕላማ ዘለዎም ኣባላት ዝሓዘ ማርክስ ሌኒናዊ ኣስኳል ከምዘሎን እዚ ሓይሊ ኣባላት ናይ ምውዳብ መሰል ከምዘለዎን ሕጋዊ ኣፍልጦ ከምዝሃበን ገሊፁ፡፡ ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ህወሓት እውን እዚ ሓሳብ እዚ ዝያዳ ተጠናኺሩ ቀፂሉ፡፡ በዚ መሰረት ኣብ ውሽጢ ህወሓት መሰረታዊ ናይ አከይይዳ ለውጢ ንምምፃእ ቃልሲ ዝጀመሩ ሓይሊታት ብዝወልዕዎ ናይ እርማት ምንቅስቓስ ኣብ ወታደራዊ ዶክትሪን (ጥበብ)፣ ኣብ አወዳድባ ሓፋሽ፣ ኣብ ምስረታ ሓራ መሬትን ህንፀት ደጀንን፣ ኣብ ኣካይዳ ሓዱሽ ዴሞክራሲያዊ ወያነ፣ ኣብ ኣሰላልፋ ሓይልታት እቲ ወያነ፣ ጭቡጥን ሳይንሳዊን መርትዖ ብምቕራብ ነቲ ነባርን ብተግባር ጉጉይ ምኻኑ ዝተረጋገፀን ኣታሓሳስባ ስዒሮም ወፂኦም፡፡ ብውፅኢቱ ድማ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ሓሙሽተ ዓመታት ነቲ ዝነበረ ሓይሊ ሚዛን ብምንጋዕ ስርዓት ደርግ ተደምሲሱ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ተዓዊቱ፡፡

ተጋዳላይ ሙሉጌታ ገ/ህይወት (ዶ/ር) ዘልዐሎ ካሊእ ኣገዳሲ ነጥቢ ህወሓት ምስ ኢህዴን፣ ኦህዴድን ደኢህዴግን ኮይኑ ብዝመስረቶ ግንባር ዘጣየሾ ግዚያዊ መንግስቲን ናይ ሽግግር መንግስቲን ዘሳለጦም ሰላምን ምርጋግእን ናይ ምፍጣር ተልእኮ ብዝምልከት እዩ፡፡ እታ ከም ዩጎዝላቪያ፣ ላይቤሪያን ሶማሊያን ክትበታተን ወይ ድማ ዓውደ ኩናትን ምትህልላቕን ክትኸውን ትንቢት ዝተነገረላ ኢትዮጵያ ገና ካብ ምክያድ ስትራቴጂክያዊ መጥቃዕቲታት ኣትሒዙ ብዝትነፀረ ፖሊሲን ስትራቴጂን መሰረት ከመይ ገይራ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ሰላም ዝዓሰላ ሃገር ንምኻን ከምዝበቕዐት ተሪኩልና ኣሎ፡፡ ሙሉጌታ ሰላምን ምርግጋእን ኣብ ምፍጣር ዝለዓለ ግደ ናይ ዝነበሮ ‹‹ተሃድሶ ኮሚሽን›› ኮሚሽነር ኮይኑ ስለዝሰርሐ እንኮላይ ጭቡጥን ኣሃዛዊን መረዳእታ ብምቕረብ ነቲ ከይዲ ስእላዊ ብዝኾነ ኣግባብ ገሊፅዎ እዩ፡፡ ምናልባሽውን ብስለት መሪሕነት ህወሓት/ኢህወዴግ ካብ ጓዳ ዕጥቃዊ ቃልሲ ወፂኡ ናብ ኣደባባይን ናብ ዓለማዊ መድረኽን ክወፅእ ዝገበሮ ሓደ ኣብነታዊ መግለፂ ኮይኑ ቀሪቡ ኣሎ፡፡

ጉዳይ ድርቂ፣ ጥምየት፣ አጠቓቕማ ረድኤትን ሰዒቡ ዝተመስረተ ትእምትን (ትካል እግሪ ምትካል ትግራይ)ማረትን(ማሕበራዊ ረድኢት ትግራይ) ካብ ትኹረት እዚ ፀሓፊ ዝተሰወሩ ኣይኮኑን፡፡ ህወሓት ንዓቕሚታት ህዝቢ ትግራይ ኣታሓባቢሩ፣ ንረድኤት ሃፋትም ሃገራት ተጐዝጐዙ፣ ቅኑዕ ፖሊሲ ሓንፂፁ ንህዝቢ ትግራይ ካብቲ ቀጢን ዘበን ከመይ ብብልሓት ብትረትን ብተወፋይነትን ከምዘናገፎ ሙሉጌታ ጫልቱ ዘርዚሩ ኣቕሪብዎ ኣሎ፡፡

ምስዚ ኣታኣሳሲሩ ህወሓት ነቲ ብመንገዲ ማረት (ማሕበር ረድኤት ትግራይ) ኣቢሉ ዝረኸቦ ሓገዝ ኣብ ቦትኡ ከመይ ከምዘውዓሎ፣ ንህዝቢ ትግራይ ካብ ሓደጋ ንምንጋፍ ናብ ሱዳን ዝተኻየደ ስደትን ሰናይ ዘበን ኣዝመራ ምስመፅአ ናብ ዓዲ ከመይ ዳግም ክምለስ ከምዝትገበረን ዘርዚሩ፡፡ እቲ ህወሓት ንረድኤት ኣብ ምግዛእ ኣፅዋር ኩናትን ኣብ ምክያድ ዕጥቃዊ ቃልሲን ኣውዒልዎ ንዝብል ብቢቢሲ ኣቢሉ ዝቐረበ ክሲ ብመርትዖ መኪትዎ፡፡ ትእምት ኣብ ግዜ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝተጣየሹ፣ ኩባንያታት መንዓዝያ፣ ንግዲ፣ እደጥበብ፣ ዝፈጠርዎ ሪሾ መሰረት ገይሩ ዝተመስረተ ምኻኑ ውን ኣቕሪቡ፡፡

ኩናት ኢትዮ ኤርትራ፣ ኣቐዲሙ ዝተጠጀአን ነቲ ኩናት ስዒቡ ድማ ዝተፈጠረን ምክፍፋል መሪሕነት ህወሓት/ኢህወደግ ካሊእ ብተጋዳላይ ሙሉጌታ ትኩረት ዝተውሃቦ ኣገዳሲ ነጥቢ እዩ፡፡ ኣብ ዙሪያ እዚ ኩናት ብርክት ዝበሉ ነጥቢታት ተዳህሲሶም እየም፡፡ እቲ ሽዑ ዝተጣየሸ ማእከላይ ኮማንድ ምስ ሕገ መንግስታዊ ሓላፊነት ቀዳማይ ሚኒስትር (ጠቅላሊ ኣዛዚ ሰራዊት) ከመይ ይጠዓዓም? እቲ ኩናት ምስተጀመረ ዕላምኡ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝተትሓዙ መሬታት ኢትዮጵያ ሓራ ምውፃእ ዶ ወይ ክሳብ ምቁፅፃር ኣስመራ ምቕፃል? ካብ ኢትዮጵያ ዝስጐጉ ኤርትራዊያን ንፀጥታን ደሕንነትን ስግኣት ምኻኖም ዝተረጋገፁ ድዮም ወይ ኩሎም ኤርትራውያን? እቲ ኣንፃር ኩናት ኤርትራ ዝካየድ ናይ ምልዕዓልን ፕሮፖጋንዳን ስራሕቲ ከምቲ ብዘበነ ደርጊ  ዝካየድ ዝነበረ ፀረ ሕዝቢ ኣንፈት ዝኽተል ድዩ ክኸውን ነይርዎ? ሰራዊት ኤርትራ ካብ ባድመ ተፀሪጉ ምስወፀ ዝተገብሩ ስምምዓትን፣ ዝተፈረሙ ቴክኒካዊ ምትዕርራያትን ከመይ ክኾኑ ኣለዎም? ኣብ ዝብሉ ጉዳያት ዝተኻየዱ ክትዓትን ዝተውሃቡ ውሳኔታትን ዝተፈጠሩ ኣፈላላያትን ብንፁር ተቐሚጦም ኣለዉ፡፡

ብወፅኢቱ ድማ ብመጀመርታ ኣብ መንጐ ፖሊት ቢሮ ህወሓት፣ ቀፂሉ ኣብ ውሽጢ ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት፣ ስዒቡ ኣብ መንጐ መሪሕነት ኢህወደግ ዝተፈጠረ ኣፈላላይን ዝመፀ ምግምማዕን ብዝርዝር ተተሪኹ እዩ፡፡ ኣታኣላልያ እቲ ኣፈላለይ ንሕገ ደንቢ ህወሓት/ኢህወዴግ ዝጣሓስን ፀረ ዴሞክራሲያዊን ከምዝነበረ እውን ኣቐሚጡ፡፡ ብድሕሪኡ ምርጫ 1997 ዓ.ም. ዴሞክራሲያዊ ንምግባር ዝተገበረ ፃዕሪን ብተግባር ግን ኣብ ኣፈፃፅማ ዝነበረ ፀረ-ዴሞክራሲያዊ ኣካይዳን ነዚ ስዒቡ ኣብ ምስረታ ሃገረ መንግስትነት ኢትዮጵያ ዝተፈጠረ ሓደጋን ተንቲኑ ኣቕሪቡ፡፡ ብሰንኪ እዚ ድማ ሃገርና ኢትዮጵያ ኣብ ቀራና መንገዲ (መስቀላዊ መንገዲ) ከምዝኣተወትን መሰረታዊ ናይ አካያይዳ ምትዕርራይ ከምዘድልያን ሓቢሩ፡

ሐ. ኣነ ዝብሎ

ተጋዳላይ ሙሉጌታ ገ/ህይወት (ፒ.ኤች.ዲ) ኣብ መበል 45 ዓመት ምጅማር ካልኣይ ወያነ ህዝቢ ትግራይ ክቡር ህያብ ኣበርኪቱልና ኣሎ፡፡ ኣብዚ ዘበርከተልና ገፀ በረከት፡-

  1. ቅድሚ ሕዚ ብዝተማልአ ኣገባብ ዘይረኣናዮ ግን ድማ ንኹሎም አካዳሚያዊ መዐቀኒታት ኣፃሓሕፋ ኣሚሊኡ (ምርምር ብምክያድ፣ መወከሲታት ፅሑፍን ቃለመጠይቕን ብምጥቃም፣ ኣሃዛዊ መረዳእታታት ብምጥቃም፣ ቴክኒካዊ ኣጠቓቕማ ምንጪታት ኣብ ተግባር ብምውዓል፣ ኣብ ጭቡጥ መረዳእታ ብምምስራት፣ ምስ ላልኦት ታሪኻት ዕጥቃዊ ቃልሲታት ብምንፅፃር) ዘቕረበልና ምኻኑ፤
  2. ሙሉጌታ ጫልቱ ዋላ እኳ ኣብቲ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ (ካልይ ወያነ) ብስርዒት ደረጃ ካብ ምስረትኡ ካብ 1967 ዓ.ም. ጀሚሩ፣ ኣብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ድማ ካብ 1968 ዓ.ም. ጀሚሩ ዝተሳተፈን ላዕላዋይ ካድረ፣ኮሚሳር፤ ኮማንደር፣ ኣባል ማእከላይ ኮሚቴ ኮይኑ ዝተጋደለ ብምኻኑ ቀዳማይ ደረጃ መረዳእታ ዘለዎ ምኻኑ ርዱእ እንተኾነ ኣብቲ መፅሓፍ ንባዕሉ ኣውፂኡ ካልኦት ኣብ ዝሃብዎ ቃለመሕትት፣ ኣብ ሰነድ፣ ኣብ መፅሓፍቲ ተመስሪቱ ምፅሓፉን ንሱ ኣብቲ መፅሓፍ ዳርጋ ዘይንርእዮ ምኻንናን እንትንርዳእ ንብቅዓት እቲ ፀሓፊን ንሻራዊነት እቲ ታሪኽን ብምልኣት ክንቕበል ገይሩና ኣሎ፡፡
  3. ጫልቱ ንጉዳይ ሕንፍሽፍሽ እንርእየሉ ካሊእ ሓዱሽ ማእዝን ኣመላኺቱና ኣሎ፡፡ ዋላ እኳ ሙሉጌታ ኣብ ግዜ ሕንፍሽፍሽ ግዳይ ካብ ዝነበሩ ተጋደልቲ እቲ ሓደ ከምዝኾነ ርዱእ እንተኮነ ብፍፁም ሻራዊነት ነቲ ዝነበረ ኩነታት ካብ ቁስሊን ስምዒትን ፀርዩ ተሪኩልና ኣሎ፡፡
  • ታሪክ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ በቲ ከም ብዋዛ ዝዝረብ ‹‹ተጋሩ ታሪኽ ምስራሕ እምበር ታሪኽ ምፅሓፍ አይኽእሉን›› ዝብል ኣባሃህላ ተፀሊዉ ከይቕፅል ዓብዪ እጃም ካብ ዘወፈዩ ተጋደልቲ ሓዲኡን ቅድሚት ዝውጠጥን ተጋዳላይ ሙሉጌታ ኮይኑ ኣሎ፡፡ ንሳይንሳዊ መዐቀኒታት ኣፃሓሕፋ መሰረት ገይሩ ምፅሓፉ ሓደ ነገር ኮይኑ ብቋንቋ እንግሊዝኛ ምፅሓፉን ኣሕዋትና ኣፍሪካዊያንን ካልኦት ዓለምለኸ ተቓለስቲን ክርድኦምን ክግንዝብዎን ዕድል ብምኽፋቱ መጐስ ይግቦኦ፡፡

መ. ቁሩብ ብዛዕብኡ

     ኣነ ንሙሉጌታ ዝፈልጦ ቀጢን፣ ቀይሕ፣ ነዊሕ፣ ማንጁስ ኮይኑ ኣብ ሃፀይ ዮሐንስ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ታሽዓይ ክፍሊ እንትንማሃር በ1965 ዓ.ም. እዩ፡፡ ገና ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ሓሳቡ ብግልፂ ዘቕርብን ተኻታዒን ምንባሩ ይዝክር፡፡ ብትምህርቱ ድማ ፀብለልታ ነይርዎ፤ ካብቶም ተሸለምቲ ሓደእዩ፡፡ ኣጋጣሚ ኮይኑ እድገት በህብረት ዘመቻ ኣብ ኮረም ብሓደ ዘሚትና፡፡ ሸዑ ናይ ምይይጥ ጉጅለ መስሪቶም ብዛዕባ ቃልሲን ማርክስ ሌኒናዊ ኣስተምህሮን ካብ ዘሳልጡ እቲ ርኡይን ንጡፍን ንሱ ነይሩ፡፡ ኣብኡ ውን ታኻታዒን ብሱል ሓሳብ መቅረቢን ተዛሪቡ መእመኒን ከምዝነበረ እምስክር፡፡

              ኣነ ተኣሲረ ናብ ኣዲስ አበባ ተወሲደ ንሱድማ ዘመቻ ጠንጢኑ ናብ መቐለ ተመሊሱ፡፡ ብደሕሪኡ ብ1968 ዓ.ም. ናብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ተፀምቢሩ፡፡ ኣነ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ፀኒሐ ብኣግአዚ ኦፕሬሽን ሓራ ምስወፃእኹ ብ1978 ዓ.ም. ኣብ ደጀና ተራኺብና፡፡ ከምታ ብንእስነቱ ዝፈልጦ መንበባይ፣ ተኻታዒ፣ መእመኒ፣ ደሓር ድማ ኣስተምሃሪ ፖለቲካዊ ትምህርቲ ኮይኑ ረኺበዮ፡፡ ብኦፕሬሽን ኣግኣዚ ሓራ ዝወፃእና እሱራት ኣብ ወልቃይት፣ ደጀና ፍሉይ ቦታ ምንምነ ማይ ስየ ፖለቲካዊ ኣስተምህሮ እንትንወስድ ንግደ ሙሉጌታ ጫልቱ ፈፂምና ኣይንርስዖን፡፡

     ሙሉጌታ ካብ ተራ ተዋጋኣይነት ጀሚሩ ክፍሊ ህዝቢ ኮሚሳር፣ ኮማንደር፣ መምህር ቤት ትምህርቲ ካድረ፣ ማእኸላይ ኮሚቴ ኮይኑ ኣብ ካልኣይ ወያነ ህዝቢ ትግራይ እንትሳተፍ ካብ ዓሰርተ ሸውዓተ ዓመት ዕድመ ንእስነቱ ኣትሒዙ ግዜ ቁልዕነቱ፣ ጉልበቱ፣ ፍልጠቱ፣ ደሙ፣ ዓፅሙ፣ ፍቕሪ ኣዲኡ፣ መንእሰይነቱ ንቓልሲ ህዝቢ ትግራይ ኣወፍዩ፡፡ ስለዝኾነ ድማ ሙሉጌታ ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ እዚ ተሪፉካ ዝባሃል ሰብ አይኮነን፤ እቲ ከወፍዩ ዝኽእልን ዝግባእን ኩሉ ኣበርኪቱ እዩ፡፡ ኮይኑ ግና ሕዚ ውን ሕልፊ ወፈያ ገይሩልና ኣሎ፡፡ ንትውልዲ ኣብ ምቕራፅ ዝለዓለ ኣበርክቶ ዘለዎ ፅፁይ፣ ኣብ መፅናዕቲ ዝተመስረተ፣ ዝለዓለ ኣካዳሚያዊ ረብሓ ዘለዎ፣ ካብ ስምዒታዊ ፅልዋ ናፃ ዝኾነ ቅርሲ ኣበርኪቱልና፡፡ ሓፍ ኢለ፣ ሰጥ ኢለ፣ ዝለዓለ ወታደራዊን ገድላዊን ሰላምታ የቕርብ ኣሎኹ ዶተሬ!

(እዚ ጽሑፍ ተሰናዲኡ ቅድሚ ምሕታሙ ሞሞና ቦኩሪ ጋለይ ተፈልያትኒ ኣብ ሓዘን ወዲቀ ክሳብ ሕዚ ከይተሓተመ ጸኒሑ፡፡እምበኣር ከስ እዚ ጽሑፍ መዘከርታ ሞሞና ጋለይ ይኩነለይ)

27 COMMENTS

  1. Dear Birhanu Abadi
    First and for most I would like to express to you and your family my heartfelt sympathy and condolences at the loss of your daughter. It is tragic to lose a grown up kid due to whatever cause and I share the sorrow and grief with you.

    I would like also to commend you for the initiative you took to provide a us review of the book written by Mulugeta. I am not sure if the title of the book “LAYING THE PAST TO REST” can be translated into the Tigrigna language as “ሕሉፍ ምዕቃብ፤ ንምቕሳን” I have not read the book but if, after you have read it, the content of the book implies what you translated in Tigraigna you might be correct. However, in my humble knowledge of the English language “LAYING THE PAST TO REST” does not in any way mean”ሕሉፍ ምዕቃብ፤ ንምቕሳን. I do not want to suggest a phrase but please do consult with other knowledgeable Tigrayan intellectuals and try to coin the right translation of the title.
    Thank you
    Joseph

  2. “ሕሉፍ ምዕቃብ፤ ንምቕሳን”
    እቲ ዳህሳስ መፅሓፍ ዳርጋ ሙሉእ እቲ መፅሓፍ ዘንበብኩ ኮይኑ ተሰሚዑኒ፡፡ ብፅቡቕ አቀራርባን አፀሓሕፋን ከምቲ ወሓዚ ማይ ጅርቑሩቕ እናበለ ዝፈስስ ንክተዕርፍ ትንፋስ ዘይህብ ቅዲ አጸሓሕፋ ምኻኑ ንብር ሃኑ ኣባዲ ካብ ልቢ የመስግነካ፡፡ ንጫልቱ እውን ዕድመን ጥዕናን ይምነየሉ፡፡ ተስፋ ይገብር ኩሉም ተጋሩ ኣብ ዘወፈርዎ ዓውዲ ስራሕ ከመቲ ዝበሃል ዘይኮነስ ዝሰራሕናዮ ዓለም ንክፈልጦን ንመፃኢ ወለዶ እውን ተሞክሮን ሞራልን ስለዝኾነ ከምዚ ክስነድ አለዎ፡፡ ትግራይ እውን ታሪኽ ዝሰርሑ ጥራሕ ዘይኮነስ ታሪክ ዝስንዱ ደቂ ከምዘለውዋ እውን ብፍላይ እብዚ 4-5 ዓመታት እናረአና ኢና፡፡ ትግራይ ሃገር እትኾነሉ ጊዜ ቐሪቡ ምህላው እውን ካልእ ብስራት ሒዙላ ከም ዝመፅ ነዓል ምሉእ ተስፋ እየ፡፡
    ንብርሃኑን ቤተሰቡን ከዓ ፅንዓት ይሃብካ እብል፡፡ እ/ር ዘፈትዎ ሰብ ይወስድ ይብሉ ወለዲ፡፡ ዝተረፉ ይባርኸልካ፡፡ እንተ ነቲ ዝሃብካና ዳህሳስ መፅሓፍ ከብ መንበረይ በርደግ ኢለ የመስግን

    • ሰላም ብርሃኑ፡ ኽብረት ይሃበልና፤ ተጋደላይ ብርሃኒ አባዲ ሰላምታኻ ይብዛሕ ይብሎ፡ ባ ዕሉ ብቀጥታ መልሲ እስካብልህበካ!

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here